ፍልስጤምን ሱዳንን፣ ኣንጻር ጽልዋታት እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ክሰርሓ ምዃነን ተገሊጹ

ፍልስጤምን ሱዳንን፣ ኣንጻር ጽልዋታት እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ክሰርሓ ምዃነን ተገሊጹ

Radio Erena: 22 July 2016

Beshir Abas

ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤምን ሱዳንን፣ ኣንጻር ጽልዋታት እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ክሰርሓ ምዃነን ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ርእሰ ምምሕዳር ርያድ ኣል ማሊኪ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ከምዝገለጸ ዝሕበር ዘሎ፣ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን፣ ኣኣብ ኣጋጣሚ’ቲ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተጋብአ መበል 27 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም’ዮ።

ፕረዚደንት ዓባስ፣ ኣብ መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺቡ መደረ ከምዘስምዐ’ውን እታ ጋዜጣ ጠቒሳ ኣላ።

 

ድሕሪ ናይ ሩዋንዳ ዑደት’ውን እቲ ፕረዚደንት ናብ ካርቱም ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተፈላለየ ስምምዓት ምኽታሙ ተሓቢሩ።

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ናብ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሸውዓተ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ካምፓላ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት’ውን ተመያይጡ’ዩ።

ኣብቲ ምይይጥ ዘይተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ናይ ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡቲን ጥራይ’ዮም።

ሱዳንን ጅቡትን ምስ እስራኤል ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ዘይብለንን ንእስራኤል’ውን ከም ሃገር ዘይተቐበልኣን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ካምፓላ ርክብ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ግና ኣይተፈልጠን።

ሃገራት ዓረብ፣ ጽልዋ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምድኻም ብዝዓለ ከምዝሰርሓሉ ይፍለጥ።

ሱዳንን ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤምን’ውን ንጽልዋ እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ንምግታእ ክሰርሓ ምዃነን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0