ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ዝብለሉ ተኽእሎታት ንምምይያጥ ናብ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱርኪን ይበጽሕ

Radio Erena: 10 December 2021

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ዝብለሉ ተኽእሎታት ብዝምልከት ንምምይያጥ ናብ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱርኪን ይበጽሕ ኣሎ።

ሓሙስ 09 ታሕሳስ ዑደቱ ዝጀመረ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ተኽእሎታት ምቑራጽ ተዅስን ፖለቲካዊ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክመክር ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይትንትኑ።

ኣቐዲሙ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባ ብምብጻሕ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ዘካየደ ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ኵናት ኢትዮጵያ ብዘተ ክፍታሕ ዝብል ዘቕረቦ እማመ ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ብምባል፣ ኩሎም ወገናት ናብ ዘተ ክቀርቡን ህጹጽ ረዲኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ድማ ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕን እትደፍኣሉ ዘላ ኣመሪካ፣ ዘቕረበቶ እማመ እንተዘይተዓወቱ፣ ኣብቲ ኵናት ኢድ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ወገናት ተወሳኺ እገዳ ከተንብር ከምእትኽእል ‘ያ ተጠንቅቕ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ኣብ ኵናት ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናትን ጎረባብቲ ሃገራትን ክዘራረብ ከምዝኸኣለ’ዩ ዝግለጽ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0