ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 20 September 2022

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ዢ ቢንግ፣ ኣብ ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣብ ለካቲት 2022 መዝነት ካብ ዝቕበል፣ ንካልኣይ እዋኑ ዘካይዶ ዘሎ ናይዚ ሰሙን ዑደት ብኤርትራ ዝፈለመ ኣምባሳደር ቢንግ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኻብ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድና ቻይናን ሃገራት እቲ ዞባን ከምኡ ድማ ቻይና ኣብ ምርግጋእን ጸጥታን እቲ ዞባ ከተበርክቶ እትኽእል ግደን ተመያይጡ።

ኣብ ጂቡቲ’ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝተዘራረበ እቲ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍልጡ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ፣ ዑደቱ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ’ውን ክቕጽል’ዩ።

ኣብዚ ዞባ ረብሓታታት ንምዕዋት ምስ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን እትጫረት ዘላ ቻይና፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትእንጋዳ ይዝከር።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ኣይተሳተፈን።

ስእሊ፦ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0