ፊፋ ሓድሽ ደረጃታት ዘርጊሑ፣ ኤርትራ ሕጂ’ውን ሓደ ደረጃ ንድሕሪት

ፊፋ ሓድሽ ደረጃታት ዘርጊሑ፣ ኤርትራ ሕጂ’ውን ሓደ ደረጃ ንድሕሪት

Radio Erena: 12 June, 2014

FIFA logo

ፊፋ ወርሓዊ ዘውጽኦ ደረጃታት ሃገራውያን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ ኣብ ድሮ ምጅማር ዋንጫ ዓለም’ውን ሓድሽ ደረጃታት ዘርጊሑ ኣሎ።

ኤርትራ ሕጂ’ውን ሓደ ደረጃ ንድሕሪት ተመሊሳ።

በቲ ዝወጸ ደረጃ መሰረት፡ ስፐይን ካብ ቦትኣ ከይተንቐሳቐሰት ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመንን ብራዚልን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን ይስዕብኣ ኣለዋ።

ሃገራውያን ጋንታታት ፖርቱጋል፡ ኣርጀንቲና፡ ስዊዘርላንድ፡ ኡራጋይ ኮሎምብያ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ብወገነን ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ንዘሎ ቦታ ተማሲሐንኦ ይርከባ።

 

ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብ ጉጅለ 4 ተመዲበን ዝርከባ 3 ሃገራት፡ ማለት ኡራጋይ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ምስ ቀዳሞት 10 ተሰሪዐን ብምህላወን፡ በዚ ሓድሽ ዝወጸ ደረጃ መሰረት፡ ንጉጅለአን ዝሓየለት ጉጅለ ወይ ድማ ናይ ሞት ምድብ ይገብራ።

ዕጫ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ንጀርመን፡ ፖርቱጋል፡ ጋናን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝሓዘት ምድብ ጉጅለ 7 እያ ናይ ሞት ምድብ ተሰይማ ኔራ።

ብህድማ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 6 ሃገራት ቀዲማ፡ ካብ 207 ሃገራት መበል 201 ተሰሪዓ ትርከብ።

እዚ ድማ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሒዛቶ ዝነበረት መስርዕ ሓደ ደረጃ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣላ ማለት እዩ።

ካብ ዓለም መብል 22 ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣልጀርያ፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝለዓለ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ሓዳሽ ሃገር ደቡብ ሱዳን ድማ 16 ደረጃታት ብምሕኳር መበል 185 ኮይና ንረኽባ።

ካልእ ከም ደቡብ ሱዳን ኣዛራቢት ሃገራዊት ጋንታ ኮይና ዘላ ፍልስጤም ክትከወን ከላ፡ ካብ መበል 94 ናብ 71 ደይባ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0