ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣወሃሃዲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ካብ መዝነቱ ክእለ ሓቲቱ

Radio Erena: – December 17, 2013

 

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ዋና ኣወሃሃዲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ጃራት ቾፕራ ካብ መዝነቱ ክእለ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራቡ ማዕከን ዜና ኢነርስ ፕረስ ሲቲ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና፣ መንግስቲ ሶማል ብዘይካ’ዚ እቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ፣ ብፍላይ ኣብቲ ንምቕረሐ ህዝባዊ ኣታዊታት ዝምልከት ዳግመ-መርመራ ክግበረሉ ሓቲቱ።

እቲ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጥርዓን ብምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፎዝያ ዮሱፍ ኣደም ዝተጻሕፈን ዝተኸተመን ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

 

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማል ብጉዳይ ምምዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ተላዒሉ ብዘሎ ምስሕሓብ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ጥርዓን ናይ መወዳእታ መርገጺ እቲ መንግስቲ ገና ኣይተነጸረን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሶማልያ ኣብ ታሕታይ ሸበለ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ዕጡቓት ቀቢላታትን ብዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት 12 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተወሳኺ መጽናዕትን ዝርርብን ንምክያድ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስ ክራኸብ ምኳኑ’ውን ኢነር ሲቲ ፕረስ ኣተንቢሁ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0