ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ስም ኣልሸባብ ከይጠቕሳ ኣጠንቁቑ

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ስም ኣልሸባብ ከይጠቕሳ ኣጠንቁቑ

Radio Erena: 05 May 2015

Alshe

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ስም ‘ኣልሸባብ’ ከይጠቕሳ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እቲ መንግስቲ ንኹለን እተን ናይ መንግስቲ ይኹና ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝልኣኾ ኣዋጅ፣ ስም እቲ ምስ ኣልቓዒዳ ዝሓበረ ሽበራዊ ጉጅለ ከይጠቕሳ ብምጥንቓቕ፣ ኣብ ክንዲ ‘ኣልሸባብ’ ሰላማዊ ህዝቢ ዘህልቕ ጉጅለ ማለት ብቋንቋ ሶማል ከኣ ‘ኡጉስ’ (Ugus) ክብሃል’ውን ኣዘኻኺሩ።

‘ኣልሸባብ’ መንእሰይ ዝብል ጽቡቕ ስም’ዩ ዘለዎ ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ዓብደራሕማን ማሕሙድ ከኣ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ንዘህልው ዘሎ ጉጅለ መንእሰይ ኢልካ ምጽውዑ ግጉይ ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

ማዕከናት ዜና መንግስትን ምስ መንግስቲ ዝደናገጻ ማዕከናት ዜናን ሶማል ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ድሮ ኡጉስ እናበላ ክጠቕስኦ ጀሚረን ኣለዋ።

ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግና፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ሶማል ፈጢርዎ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ስሙ ብምቕያር ዘይኮነ ፖለቲካውን ወትሃደራውይን መፍትሒታት ምንዳይ’ዩ ክብሉ ንኣዋጅ እቲ ምንግስቲ ክነቕፍዎ ጀሚሮም ኣለዉ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነዚ ዘውጽኦ ኣዋጅ ንዝጠሓሱ ጋዜጠኛታት እንታይ ስጉምቲ ክወስደሎም ምዃኑ ኣየነጸረን።

ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ እናተሓገዙ ብዘካየድዎ ቀጻሊ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ክሃድም እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ሶማልን ኬንያን ተኸታታሊ መጥቃዕታት ካብ ምክያድ ክዓግትኦ ግና ኣይከኣላን።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0