”ፈተነ ወትሃደራዊ ዕለዋ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ዝተጋነነ’ዩ” ሮጀር ኣኩ

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ነበር ሮጀር ኣኩ፣ 21 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ወትሃደራዊ ኩነታት፣ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕለዋ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ዝተጋነነ’ዩ ክብል ገሊጹ።

    እቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር መዝነቱ ወዲኡ ዝተፋነወ ፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ብዛዕባ ኤርትራን ህሉው ኩነታታን ብዝምልክት ምስ RFI ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብሰንኪ ዘይእኹል ክፍሊትን ካልእ ጉዳያት ዕጉብ ስለዘይኮነን፣ ኣብ ርእሱ ድማ ካልእ ጉዳያት ተደማሚርዎን፣ ናብ ምፍጣጥ ኣበጺሕዎ ክኸውን ከምዝኽእል ብምጥቃስ፣ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ንምባል ግና ከምዘይድፍሮ ኣረዲኡ።

    ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ካብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ሓያል ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ዓብዩ ምህላዉ ገሊጹ።

    ካብ 2009 ክሳብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2012 ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሮጀር ኣኩ፣ ፈረንሳ ስለምንታይ’ያ ምስ ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድንኣ ትቕጽል ዘላ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ፣ ፈረንሳ ምስቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትእስሳር፣ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከባ ኤርትራ ጎረባብታን ሰለማዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክትቕጽል ጥራይ’ያ ትደሊ ኢሉ።

    እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዕሉል ውልቀ መላኽን እቲ ስርዓት ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ ከምዝመሳሰለን ኣምባሳደር ሮጀር ኣኩ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠበን።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረን ኣብዚ ቀረባ ዝተቐትለን ፈረንሳዊ ኣባል ስለያ ደኒስ ኣሌክስ ንኽልቐቕ ዓቢ ሓገዝ ከምዘበርከተ’ውን እቲ ኣብ ኣስመራ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ ኣቃሊዑ።

    ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ሮጀር ኣኩ ኣብ 2012 ስርሑ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ካብዛ ሓድሽ ዓመተ 2013 ብሓድሽ ኣምባሳደር ስቴፋን ግሩንበርግ ተተኪኡ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0