ፈረንሳ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፣ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ  ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ትመልስ ምህላዋ ትኽሰስ

ፈረንሳ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፣ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ትመልስ ምህላዋ ትኽሰስ

Radio Erena: 26 February 2018

Franco Italia

መንግስቲ ፈረንሳ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ትመልስ ከምዘላ 23 ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረብኦ ጥርዓን ከሲሰን።

እቲ ብሮቡዕ 21 ለካቲት ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ኒስ ዝቐረበ ክሲ፣ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳ ዝተዋፈሮ ፖሊስ ፈረንሳ፣ ዶብ ንዝሰገሩ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ምሕታት መሰሎም ከይሓተቱ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ኢጣልያ ይመልስዎም ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቡ።

ብፍላይ ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ቅልጡፍ ዑቕባን ምክንኻንን ክንዲ ዝግበረሎም፣ ፖሊስ ፈረንሳ ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ከምዘይክእሉ ዝገልጽ ወረቓቕቲ እናሃቡ ናብ ኢጣልያ ከምዝመልስዎም፣ እዚ ድማ ሕጋዊ ከምዘይኮነ እቶም ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ናይ 20 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ መርትዖታትን ሰነዳትን ከም ኣብነት ብምስናይ ኣቕሪበን።

እዞም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ምስ ፈረንሳ ኣብ እትዳወብ ናይ ኢጣልያ ከተማ ቫንቲሚልያ፣ ኣብ ጎደናታትን ኣብ ትሕቲ ድልድላትን ይነብሩ ከምዘለዉ ዝጠቐሳ እተን ማሕበራት፣ እዚ ድማ ንማሕበራውያን ስነኣእምሮኣውን ኩነታት እቶም ቆልዑ ሓደገኛ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ኣማሓዳሪ’ቲ ዞባ ንቤት ፍርዲ ኒስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ 2017 ልዕሊ 500 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ፍሉይ ዑቕባ ብምጥቃስ፣ 2018 ካብ እትጅምር ድማ ተመሳሳሊ ዑቕባ ናይ ዝርኸቡ ቆልዑ ብዝሒ 52 በጺሑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ውሽጢ መሬቱ ንዝኣተው ደኣ’ምበር ኣብ መሬት ኢጣልያ ንዘለዉ ወይ ዶብ ንኸይሰግሩ ንዝተዓግቱ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ከድሕን ሓላፍነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣሰራርሓ ናይ ፖሊስ ፈረንሳ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ብዓርቢ 23 ለካቲት እኳ እንተወሰነ፣ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ኢጣልያን ተዓጊቶም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ዝተረጋገጹ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብ ፈረንሳ ንኽኣትዉ ግና ፍቓድ ኣይሃበን።

እተን ካብ ፈረንሳን ኢጣልያን ዝተዋጽኣ 23 ማሕበራትን ተጣበቕትን ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ከእትዉ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ይገልጹ።

ምስ ፈረንሳ ኣብ እትዳወን ንእሽቶ ከተማ ቫንቲምልያ ናይ ኢጣልያ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ኣማኢት ስደተኛታት ብፖሊስ ተዓጊቶም ከምዘለው ይፍለጥ።

ብባቡራት ይኹን ብእግሮም ጎቦታት ብምቑራጽ ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ንዝኸኣሉ’ውን እንተኾነ፣ ፖሊስ ካብ ከተማታት ሞንቶን ኒሲን እናገፈፉ ናብ ኢጣልያ ይመልስዎም ምህላዎም ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ይመልክቱ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0