ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ክነብሩ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1400 ስደተኛታት፣ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ተወሲዶም

Radio Erena: 30 January 2020

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ፣ ኦበርቪልየ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ኣብ ጎደናታት ክነብሩ ዝጸንሑ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1400 ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ግዒዞም።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታንን ምዃኖም ዝተገልጹ ስደተኛታት፣ 240 ካብኣቶም ስድራቤታት ኮይኖም፣ ቆልዑ ዘለዎም’ዮም።

ኣብዚ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ወቕቲ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ዝነብሩ ስደተኛታት በብእዋኑ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢታት የግዕዝ እኳ እንተሎ፣ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ክተኣኻኸቡ’ዮም ዝርኣዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ዴንማርክ ኣብዚ 11 ዓመታት ዝወሓደ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ምቕባላ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ካብ ሶርያ፣ ኤርትራን ሶማልን ዝመጽኡ 2716 ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ’ያ ኣእንጊዳ።

ኣብ 2015 ልዕሊ 21 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ዝተቐበለት ዴንማርክ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሓደ ምምጽኡ ጽቡቕ ዜና’ዩ ክብል ሚኒስተር ኢምግሬሽን እታ ሃገር ማትያስ ተስፋየ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0