ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ተግዕዝ

Radio Erena: 03 November 2016

Calais Minors

ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከተግዕዝ ጀሚራ።

እታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ ኣስታት 5 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለየ ቦታ ከተግዕዝ እንከላ፣ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ግና ናብ ብሪጣንያ ዝሰጋገርሉ ዕድል ንምንዳይ ኣብ መስርሕ’ያ ጸኒሓ።

ካብ ትማሊ ሮቡዕ 2 ሕዳር ጀሚሩ ግና መንግስቲ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ካሌ ኣብ ዝሓሸ መጽለሊ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ኣስታት 1500 ቆልዑ ናብ ዝተዳለወሎም ካልእ መዕቆቢታት የግዕዞም ኣሎ።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣበይ ይጣየሱ ኣብ ዝብል ጉዳይ ንብሪጣንያን ፈረንሳን ከከራኽር’ዩ ጸኒሑ።

መብዛሕቶም እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተኣኻኺቦምሉ ዝጸንሑ ካሌ ኣብ ዝዓንወሉ ዘሎ እዋን፣ ካብቲ ቦታ ዝሃደሙ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ማእከል ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናታት ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ይነብሩ ኣለዉ።

እዞም ካብ ካሌ ዝሃደሙ ኣማኢት ስደተኛታት፣ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ፣ ስታሊንግራድ ኣብ ዝተባህለ መደበር ባቡር’ዮም ብብዝሒ ተኣኻኺቦም ዘለዉ።

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኣቐዲሙ ኣብቲ ቦታ ዝተኣኻኸቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ፈረንሳ ከምዝጣየሱ እኳ እንተገበረ፣ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ቁጽሪ ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ናይ ዝተኣኻኸቡ ዘለዉ ስደተኛታት ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ ይርከብ።

መንግስቲ ፈረንሳ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብድሆታቱ ኣብ ብዶባት ኢጣልያን ብሪጣንያን ዝርአ ዘሎ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ኮይኑ ይርከብ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0