ፈረንሳ፣ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Radio Erena: 31 January 2021

ፈረንሳ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ብ29 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ መግቢ፣ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ንዝርከቡ ስደተኛታት እውን ብከቢድ ጸልዩዎም ብምህላዉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብረሉ ጸዊዑ።
ፈረንሳ፣ እቲ ብውድብ መግቢ ዓለምን፣ ተጸዋዒ ስደተኛታትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ድሕሪ ምምጓስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዘን ኣህጉራውያን ትካላት ብናጽነት ክንቀሳቐሳ፣ ባይታ ከጣጥሕ ጸዊዑ።
ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምግሃስ መሰላትን፣ ብናጻ ኣካል መርመራ ክካየደሉ፣ ገበነኛታት ከኣ ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይወዓል ሕደር ከተግብሮ ከምዘለዎ ፈረንሳ ጸዊዓ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝተመርሐ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ኣመጒሱ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዶብ ዝተላዕለ ግርጭት ሓድሽ ወተሃደራዊ ወጥሪ ምስፋኑ፣ ናብ ምሉእ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ፣ ክልቲኦም ወገናት ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ክረኽቡሉ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ብተወሳኺ ይጽውዕ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0