ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብውሕዱ 11 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 03 December 2019

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ፣ ዞባ ካሌ፣ ዱን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ኣምባጋሮን ባእስን ብውሕዱ 11 ሰባት ቆሲሎም።

ኣብ ብ28 ሕዳርን ናብ 29 ሕዳር ዘውግሐ ለይቲን፣ ብኣባትር፣ ጠራሙዝን ካልእን ነገራትን ዝተኻየደ ባእስን ኣምባጋሮን፣ ኣስታት 160 ዝኾኑ ሱዳናውያንን ልዕሊ 60 ዝተገመቱ ኤርትራውያን ከምዝተሳተፉ ጸብጻብ ፖሊስ ይጠቕስ።

እቲ ባእሲ፣ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ኣብ ዝሓድርሉ ከባቢ ዱን፣ እዚ ናትና እዚ ናትኩም ብምባል ዶባት ክፈልዩ ድሕሪ ምፍታኖም ከምዝተጎሃሃረ ፖሊስ ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ክረሳሰን ዝጸንሐ ኣምባጋሮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ከምዘይዘሓለ ዘመልከተ ፖሊስ፣ መዓልታዊ ናብቲ ቦታ እናተዋፈሩ፣ ካብቲ የርሕቅዎም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ዞባ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሕልኑ ብዝሒ ስደተኛታት እናጎደለ ይመጽእ እኳ እንተሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 500 ዝኣኽሉ ሰባት ቴንዳታት ዘርጊሖም ኣብ በረኻታት ይሓድሩ ምህላዎም ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት የመልክቱ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኤውሮጳ፣ ሓያል ቀዝሒን ውርጪን ክወርድ ኣብ ዝጀመረሉ ወቅቲ ሓጋይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብ ፓሪስን፣ ምስ ብሪጣንያን ኢጣልያን ዘዳውብ ከተማታትን፣ ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ምህላዉ ሓደ ካብ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0