ፈረንሳ፣ ብዛዕባ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝታይ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ ጂቡቲ ክትሰድድ’ያ

Radio Erena: 18 November 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ዘለዎ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንተወሳኺ ዓመታት ንምንዋሕን ንምሕዳስን ዘኽእሎ ስምምዕ ንምኽታም፣ ብሚኒስተር ምክልኻል፣ ፍሎረንስ ፓርሊ ዝምራሕ ወኪሉ ክልእኽ ምዃኑ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ሚኒስተር እትመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ን21 ሕዳር ናብ ጂቡቲ ከተምርሕ ትጽቢት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ክትዝቲ ምዃና ኣሚቶም።

ፈረንሳ፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ወትሃደራዊ ስምምዕ ምስ ጂቡቲን ንምዝታይ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ወኪላ እትልእኽ ዘላ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወትሃደራዊ ኩነታቱ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ መድረኽ ተመሊሱ ስለዝርከብ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣመሪካ’ውን ኣብቲ ዞባ ከጋጥም ንዝኽእል ክስተት፣ ረብሓታታትን ድሕነት ዜጋታታን ንምሕላው፣ ሰራዊታ ድሉው ከምዘሎ፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ዊልያም ዛና ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ምግላጹ ይዝከር።

ኣመሪካን ፈረንሳን ዝርከብአን ሸውዓተ ሃገራት፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ጎደቦታቱን ንዘሎ ረብሓታትን ንምውሓስን ድሕነት ዜጋታተን ንምሕላውን፣ ኣብ ጂቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምኽፋት፣ ሰራዊተን ኣዋፊረን ይርከባ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0