ፈረንሳ፣ ብቕትለት ሓደ ሱዳናዊ ዝተኸሰሱ ክልተ ኤርትራውያን ን12 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 06 February 2020

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ጫካታት ካሌ፣ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኣብ 2016 ኣብ ዝተጎሃሃረ ባእስን እምባጋሮን፣ ብቅትለት ሓደ ሱዳናዊ ዝተኸሰሱ ክልተ ኤርትራውያን ነፍሲ ወከፎም 12 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ከተማ ሊል፣ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፣ ብ5 ለካቲት ዝቐረቡ እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት እኳ እንተነጸጉ፣ ደያኑ፣ ብዝኣከብዎ መርትዖታት ግና፣ መራሕትን ወደብትን ናይቲ ናብ ቅትለት ዘምርሐ ናዕቢ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብቀጥታ ኣብቲ ቅትለትው፣ ንኢድ ከምዝነበሮም ብምጥቃስ፣ ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ ኣሕሊፎም።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ቅትለት ተሓባቢሮም ተባሂሎም ተባሂሎም ንዝተኸሱ ካልኦት ክልተ ኤርትራውያን ካብ ካብ ዓመት ክሳብ ዓመትን መንፈቕን ክእሰሩ በይኑ።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል፣ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝተኣኻኻሰቡ ኣስርታት 200 ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብ 17ን 18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዘካየድዎ ባእሰን ኣምባጋሮን፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሓያሎ ከምዝቖሰሉ ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ’ዩ።

ሓደ ካብቶም ዝቖአሰሉ ሱዳናውያን ድማ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ ሞይቱ።

ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተኣኻኸሱ ስደተኛታት፣ በብሃገሮም እናተወደቡ፣ ተደጋጋሚ እዋን ናይ ጉጅለ ባእሲን እምባጋሮን የካይዱ’ዮም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0