ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰበን ገሊጸን

ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰበን ገሊጸን

ethio demoህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ጎነጻዊ ምላሽ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ፈረንሳን ኣመሪካን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ዘለወን ሻቕሎት ገሊጸን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዝወስድ ዘሎ ጨካን ኣተሓሕዛ ክቑጠብ ጸዊዑ።

 

ኣቐድም ኣቢሉ ዝሓለፈ ሰኑይ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ንኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነዚ ዝኸዶ ዘሎ ሕሱም ኣታሕዛ ደው ከብሎ ጸዊዑ። እቲ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ከኽብር ይግባእ ኢሉ።

እቲ ብዋንነት መሬት ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ምኽባር መሰል ወድሰብ፣ ምሉእ ሓርነት ዜጋታት፣ ከምኡ’ውን ምልቃቕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዝብሉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣልዒሉ ናብ ሓያሎ ከተማታት’ታ ሃገር ልሒሙ ይርከብ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠለብ ሰልፈኛታት ካብ ምስማዕ ዝያዳ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ብምውፋር ብዝሃቦ ምላሽ ህይወት ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ቀዚፉ፣ ሓያሎ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ይርከብ። ቁጽሪ ምዉታት ካብቲ ብማዕከናት ዜና ዝግለጽ ዘሎ ብዝተዓጻጸፈ ዝዛይድ ምዃኑ ተጣበቕቲ መሰላትን ተቓወምቲ ውድባትን ኢትዮጵያ ይገልጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ከዐግሶ ዘይከኣለ ምልዕዓል ህዝቢ ብጎነጽ ክዶቕሶ ምፍታኑ፣ ኣብ ህይወት ሰብ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ክኢሉ፣ ክብል ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0