ፈላሚ ዑደቱ ብስዑዲ ዝጀመረ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ምስ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ተዘራሪቡ፣ ናብ ዮርሳሌም ኣምሪሑ

Radio Erena: 22 May 2017

Arab leaders Trump

ኣብ ወርሒ ጥሩ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ፈላሚ ዑደቱ ብስዑዲ ዓረብ ዝጀመረ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራም፣ ኣብ ሪያድ ምስ ዝተዓደሙ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዘትዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደሚቕ ናይ ኣቐባብላ ስነ ስርዓት ዝተገብረሉ ዶናልድ ትሩምፕ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሪያድ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ንጉስ ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ፣ ንጉስ ባሕሬን ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ኸሊፋ፣ ኣሚር ኩዌት ጃብር ኣል ኣሕመድ ኣል ሳባሕን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን በብውልቂ ተራኺቡ።

መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ትሩምፕ ኣብ ዘካይድዎ ዘተ፣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ብራቕ ብዛዕባ ዘሎ ብድሆታትን ኣመሪካ ዝህልዋ ኣበርክቶን ተመያይጦም።

እቲ ዝልዓለ ኣተኩሮ ዝተዋህቦ ግና፣ እዘን ሃገራት ምስ ኣመሪካ ክህልወን ዝኽእል ወትሃደራዊ ርክባትን መሸጣ ኣጽዋርን ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ርክብ፣ ኣመሪካ ነዘን ሃገራት 110 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ኣጽዋር ንኽትሸጠለን ኣብ ስምምዕ በጺሓ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ኣስታት 50 መራሕቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን እስላምን’ውን ተሳቲፉ።

ፕረዚደንት ትሩምፕ፣ ቅድሚ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምርጫ ጎስጓሳት፣ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ፣ ምስዘን ሃገራት ንዝነበሮ ጥቡቕ ዝምድና ይነቅፍ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ፣ ናብ እስራኤል ከተማ ዮስርሳሌም’ዩ ኣምሪሑ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0