ጽባሕ ሰንበት ኣብ ዝጅምር ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ኤርትራ እትርከበን 17 ጋንታታት ክሳተፋ’የን

ጽባሕ ሰንበት ኣብ ዝጅምር ዙር ሩዋንዳ 2016፣ ኤርትራ እትርከበን 17 ጋንታታት ክሳተፋ’የን

Radio Erena: 11 November 2016

Cycling

ካብ ሰንበት13 ክሳብ 20 ሕዳር ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝካየድ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅድድማት ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እትርከበን 17 ጋንታታት ክወዳደራ ምዃነን መርበባት ሓበሬታ ሳይክሊንግ ሓቢረን።

ሸሞንተ ካብተን ጋንታታት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወከላ ‘የን።

ኣብዚ ንሻሙናይ እዋኑ ዝካየድ ዙር ሩዋንዳ 2016 ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ 17 ክለባት፣ እተን ሸሞንተ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወከላ ኮይነን፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ኣልጀርያን ካሜሮንን’የን። እተን ዝተረፋ ጋንታታት ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻ ናይ ውልቂ ክለባት’የን።

ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ብሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ክትውከል እንከላ፣ ብድምር 85 ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ክሳተፉ’ዮም።

ንኤርትራ ዝወከሉ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፣- ተስፎም ዑቕባማርያም፣ ኤልያስ ኣፈወርቂ፣ ዳዊት ሃይለ፣ ክብሮም መሓሪን ዘመንፈስ ሰለሞንን ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰለስተ ኤርትራውትያን፣ ኣማኑኤል ገብረእዝጋብሔርን መትከል ኢዮብን ንክለብ ዳይመንሽን ዳታ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሜሮን ኣማኑኤል ድማ ንባይክ ኤይድ ናይ ጀርመን ብምውካል ክቀዳደሙ’ዮም።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0