ጸቕጢ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ይዓዝዝ

ጸቕጢ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ይዓዝዝ

Radio Erena: 31 August 2017

gulf_flagመንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክበትኽ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይቕጽልኦ ከምዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ጋልፍ ታይምስ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸብጻብ፣ እዘን ክልተ ሃገራት መንግስቲ ሶማል ኣብ ደምበአን ንኽጽንበር ልዕሊ 80 ሚልዮን ዶላር መቑሽሽ ሰሊዐናሉ ኣለዋ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነዚ ካብ ሓያሎ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተሰሊዑ ዘሎ መቑሽሽ ብምጉሳይ፣ ምስ ቀጠር ዝጸንሖ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘይበትኽ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ደጊሙ ምርግጋጹ’ውን ተሓቢሩ።

ፕረዚንት ሶማል መሐመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ በንጻሩ፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ከብቅዕ፣ ዲፕሎማስያዊ ዘተ እቲ እንኮ ኣመራጺ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኤርትራን ጅቡትን ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ግና ዛጊት ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ኣሓዛን።

ጅቡቲ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ክትበትኽ እንከላ፣ ኤርትራ ከኣ ምስ ቀጠር ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ናብ ዝተሓተ ደርጅኡ ብምውራድ፣ ብደረጃ ኣምባሳደራት ዝነበረ ርክባ ናብ ደረጃ ቀዳማይ ጸሓፊ ኣውሪዳቶ ምህላዋ ዲፕሎማሰኛታት የረጋግጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0