ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ሃለዋቶም ኣጥፊኣ ዘላ ኤርትራ፣ መበል 180 ዓመት ሞት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዘኪራ

ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ሃለዋቶም ኣጥፊኣ ዘላ ኤርትራ፣ መበል 180 ዓመት ሞት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዘኪራ

Radio Erena: 13 February 2017

Pushkin

ስነ ጥበባውያንን ጸሓፍትን ብምእሳር ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ መበል 180 ዓመት ሞት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ተዘኪሩ።

እቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ዝተረኽብሉ ዝኽሪ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ዝተሃንጸ ሓወልቲ ናይቲ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ጓና ዝኾነ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን’ዩ ብ10 ለካቲት ተኻይዱ።

ዓሰርታት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ስነ ጥበባውያንን፣ ንሓያሎ ዓመታት ኣሲሩ፣ ደሃዮም ዘጥፍአን ህግደፍ፣ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ናይ ሓደ ቅድሚ 180 ዓመታት ዝነበረ ሩስያዊ ደራሲ ሓወልቲ ዝተኸለሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብ ስነጥበብን ድርሰትን ስለዝግደስ ዘይኮነ፣ ንመንግስቲ ሩስያ ንቅብጣርን ንምሕጓስ ካብ ዝገብሮም ጻዕርታት ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ።

ህግደፍ፣ ሓወልቲ ናይቶም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ገዚፍ ኣበርክቶ ዝገበሩን ህዝቢ ኤርትር ብታሪኾም ዝሕበነሎም ከም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ዝኣመሰሉ ኣቦታት ዘይሃነጸ፣ ናይ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት መበቆል ኤርትራ ይህልዎ ይኸውን’ዩ ተባሂሉ ንዝዝረበሉ፣ ሩስያዊ ደራሲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ምህናጹ፣ ኣብ ኤርትራውያን ኣቦታቶም ታሪኾም ዘለዎ ንዕቐት ዘንጸባርቕ ምዃኑ፣ እቲ ሓልወቲ ተሃኒጹ፣ ብድሙቕ ስነ ዝርዓት ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን ሓያሎ ኤርትራውያን ዝተሰምዖም ቁጠዐ ንምግላጽ ናብ ሬድዮ ኤረና መልእኽቲ ምስዳዶም ይዝከር።

ዕለተ ልደትን ሞትን እዚ ሩስያዊ ደራሲ ዓመታዊ ኣብ ዝጽንበለሉ እዋን፣ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ኣብ ቀጽሪ እቲ ሓወልቲ ተረኺቦም መደረታት ከምዘስምዑ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ጋ/ሓ/ኤ

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0