ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 12 March 2023
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈት’ቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመልኪቱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብዓርቢ 10 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሰሉስ 14 መጋቢት ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው፣ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ክራኸብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፣ ክዝትይ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፣ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ርክብ፣ ንሰላምን ይቕረ ምብህሃልን ዘማእከለ ሃገራዊ ዋዕላ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝካየደሉ መንገዲ ንምንዳይ እውን ከም ዛዕባ ተታሒዙ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ፣ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምርኻብ እውን፣ ብዛዕባ ዝምድና ኣባል ሃገራትን ቻይናን ክመያየጥ እዩ።
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንእተካዪዶ ዘላ ኲናት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ደገፍ ኣብ እትሓተሉ ዘላ እዋን፣ እዘን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ኲናት ከይድግፎኦ ንምጉስጓስ እውን ኣካል’ቲ ርክብ ከምዝኸውን ኣመታት ኣሎ።
ኢትዮጵያ፣ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ተተግብር፣ ኣብ ዕዳጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘይቀረጽ ንብረት ንምሻጥ እትረኽቦ ዝነበረት ሓለፋ፣ ደው ኢሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0