ጓል 49 ዓመት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንስልጣን 90 ዓመት ዝዕድሚኡ በዓል ቤታ ክትርከብ ከምእትኽእል ተገሊጹ

ጓል 49 ዓመት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንስልጣን 90 ዓመት ዝዕድሚኡ በዓል ቤታ ክትርከብ ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 14 August, 2014

mugabe

በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፣ ስልጣን ናይቲ ብእርጋን ተሰኒፍ ዝርከብ በዓል ቤታ ፕረዚደንት ዙምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ክትርከብ ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ።

90 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ክሳብ ብህይወት ዘሎ ኣብ ስልጣን ከምዝጸንሕ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ጥዕንኡ እናተዳኸመ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ግዜ ግና 49 ዓመት ዝዕድሚኣ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋበ ክትትክኦ ከምእትኽእል ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይጠቑስ።

 

ነዚ መንገዲ’ዚ ንምጽፋፍ ድማ እታ ኣብ ፖለቲካ ዚምባብዌ ዝኾነ ኣበርክቶ ዘይነበራ ግሬስ ሙጋበ፣ ዋና ጸሓፊት ማሕበር ደቂንስትዮ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒ.ኤ ኮይና ተረቑሓ ኣላ።

ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ናይዚ ዓመት እዚ ምርጫ ተዓዊቱ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ክሳብ 94 ዓመት ዕድሚኡ ነታ ሃገር ክምርሕ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር ብሰንኪ እርጋንን ጥዕናዊ ጸገማትን ብቐጻሊ ናብ ሲንጋፖር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እናኸደ ተኸታታሊ ሕክምናን ሓይሊ ዝህብ መድሃኒታትን ይወስድ ከምዘሎ ጋዜጣታት እታ ሃገር ብቀጻሊ ይሕብራ።

እታ ገንዘብ ብምብኻንን ክቡር መጋየጺ ብምሽማትን እትፍለጥ ጓል 49 ዓመት ግሬስ ሙጋበ፣ ኣቐዲማ ጸሓፊቱ ዝነበረት ኮይና፣ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ ኣብ 1996 ድሕሪ ሙማታ ዝተመርዓዋ’ያ።

ሮበርት ሙጋበ፣ 90 ዓመት ዕድሚኡ ንምጽንባል ሓደ ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘባኸነ’ዩ ዝውረየሉ።

እታ ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ናይ 34 ዓመት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ዓለም ካብተን ዝደኸያን፣ ዜጋታት ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ሃገርን ኮይና ኣላ።

============================================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0