ግጭት ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ይቕጽል

ግጭት ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ይቕጽል

Radio Erena: 17 September 2017

somali sp_forceሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ዘካየድዎ ግጭት ብውሑዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ብቀዳም ዕለት 16 መስከረም ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ዝተኻየደ ግጭት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ካልኦት ሓያሎ ሰባት’ውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ንፍሉይ ዕማም ከምዝቖመ ዝንገረሉ እቲ ‘ሓይልታት ጸጥታን ምርግጋእን’ ዝተባህለ ኣሃዱ መንግስቲ ሶማልያ፣ ስርሑ ካብ ዝጅምር ንሓያሎ ብጉጅለ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሶማላውያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ይንገረሉ።

ብካልእ ወገን ኢጋድ፣ ኣል ሸባብ ናይ ሶማልያ ንዘካየዶ ተኸታታሊ ናይ ሽበራ መጥቃዕታት ዝኹንን መግለጺ ብዓርቢ ዕለት 15 መስከረም ኣውጺኡ።

እቲ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ዘፍረዮ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ፣ ዳግማይ ህይወት ክዘርኣ ጀሚረን ዝነበራ ቁሸታትን ከተማታትን ደቡብ ሶማልያ፣ ንድሕሪት ከምዝምለሳ ገይሩወን ኢሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0