ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ዘትየን

Radio Erena: 09 September 2020

ብሚኒስተር ሕርሻን ሃብቲ ማይን መሓመድ ዓብደል ዓቲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ናይልን ዞባዊ ጽልዋታቱን ብዝምልከት ንምዝርራብ ትማሊ ሰሉስ 8 ነሓሰ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ፣ ማናዋ ፒተር ጋትኩት ብምርኻብ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ጉዳይ ናይል ዘሎ ሓያሎ ዛዕባታት፣ ኣብ ሕርሻ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝ’ውን ከምዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምርድዳእ ክትበጽሕ ዘይክኣለት ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጸቕጢ ንምፍጣር ምስ ጎረባብታ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት’ያ ተካይድ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0