ግብጽን ኬንያን፣ ኣብ ምክልኻል ክተሓባበራ ዘኽእለን ቴክኒካዊ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 31 May 2021

ግብጽን ኬንያን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምክልኻል ክተሓባበራ ዘኽእለን ቴክኒናዊ ስምምዕ ከምዝኸተማ ሚኒስተር ምክልኻል ኬንያ፣ ሞኒካ ጁማ ገሊጻ።

እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ግብጻዊ ጀነራል ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ሮበርት ኪቦችን ሚኒስተር ምክልኻል ሞኒካ ጁማን ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ክተሓባበራሉ ኣብ ዝኽእላ ወትሃደራዊ መደያት ተመያይጡ።

ኣብ መንጎ ክሊቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዘተኮረ ምትሕብባር ክህሉ ድማ፣ ክልቲኦም ወገናት ቴክኒካዊ ስምምዕ ከቲሞም።

ግብጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ኬንያ ምስ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣- ምስ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ብሩንዲን ተመሳሳሊ ስምምዕ ከቲማ።

እዛ ዓረባዊት ሃገር፣ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዝምድና’ውን ብዝልዓለ ንምብራኹ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ተሓይል ኣላ።

ምስ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን ጸቕጢ ንምፍጣር ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያን ኣብ ተፋሰስ ናይል ዝርከባን ሃገራት ጽዑቕ ርክባት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0