ግብጽን ሱዳንን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 05 November 2020

ግብጽን ሱዳን፣ ኣብ ምሕላው ስትራቴጅያዊ ረብሓታት ክልትኤን ሃገራት ዝዓለመ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ኣብ ሱዳን፣ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ካይሮ ኣብ ዝተመልሰሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።

በቲ ጀነራል ዝምራሕ ልኡኽ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ያሲን ኢብራሂም፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ሰታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሑሰንን ካልኦት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ጸጥታን እታ ሃገር’ዩ ዘትዩ።

ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ስልጠና፣ ሓባራዊ ልምምድ፣ ምህናጽ ወትሃደራዊ ኢንዱስትራዊ፣ ጸጥታን ካልእን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዘመልከተ ሚኒስተር ምክልኻል ግብጺ ብወገኑ፣ ክልቲኤን ሃገራት ንዝጸንሐን ታሪኻዊ ዝምድና ብዝልዓለ መልክዑ ንምሕዳስን ናይ ሓባር ረብሐአን ንምሕላውን ናብ ዘኽእል ደረጃ ይሰጋገር ምህላዉ ጠቒሱ።

ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝጅምራሉ ይኹን ካልእ ኣካል እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዘውዕላሉ ዕለት ኣይተነጸረን።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጉጅለ ግብጺ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ።

እቲ ልኡኽ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ መደበራት ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0