ግብጽን ሱዳንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካዪዳ

Radio Erena: 23 May 2021

ኣባላት ሰራዊት ግብጺ፣ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምክያድ ናብ ሱዳን ኣትዮም።
ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብዓርቢ 21 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሓይሊ ኣየርን ኣጋር ሰራዊትን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ኣል ዑበይድን መሮወን ዝተባህሉ ከባቢታት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
ድሩዓት መካይን ድሮ ኣብ ወደብ ሱዳን ተራጊፈን ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ ወሃብ ቃል፣ ወተሃደራዊ ልምምድ ባሕሪያ እውን ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ’ሓለውቲ ናይል’ ተሰምዩ ዘሎ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ ዝብል ክሲ ብወገን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክስማዕ እንከሎ፣ መራሕቲ ሱዳን ናይ ኣሉታ ምላሽ ይህቡሉ።
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ኣል-ፋሽጋ፣ ሰራዊት ይጓርት ኣሎ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ከሲሶም።
ሰራዊት ሱዳን ብ21 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ካብ ባህርዳርን ጎንደርን ዝተበገሰ ታንክታት ዝዓጠቐ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብምልሻታት ኣምሓራ ተሰንዩ፣ ኣብ ዶባት ግዝኣት ገዳርፍ ይተኣኻኸብ ኣሎ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ድሕሪ ምሃብ፣ ብኣንጻሩ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት የበሳብስ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ክልቲኦም መንግስታት ነዚ ብዶብ ተላዒሉ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ዝፍታሕ ክብሉ እንከለዉ፣ ኣብ ባይታ ግና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘምርሕ ስጉምታት እዮም ዝወስዱ ዘለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0