ግብጺ ካብ ፈረንሳ ዝሸመተተን ነፈርቲ ኵናት ተእቱ

Radio Erena: 07 April 2017

Rafal

ግብጺ፣ ገለ ክፋል ናይተን ካብ ፈረንሳ ዝሸመተተን 24 ነፈርቲ ኵናት ናብ ሃገር ከምዝኣተዋ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ካብተን ካብ ፈረንሳ ዝተሸመታ ራፋል ዝዓይነተን 24 ነፈርቲ ውግእ፣ እተን ሽዱሽተ ኣቐዲመን ክኣትዋ እንከለዋ እተን ሰለስተ ከኣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ስዒበን።

ግብጺ፣ 5.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግአን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ንምሽማት ኣብ መፋርቕ 2015 ስምምዕ ከምዝኸተመት ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ፣ ፈረንሳ ናብ ሩስያ ክትሸጣ ዝሰርሓታ ናይ ኵናት መርከብ ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ድሕሪ ዘንበሮ እገዳ ግብጺ ክትሽምታ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

 እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ቢልዮናት ሸመተ ኣጽዋር፣ ነታ ኣብ ዞባ ናይልን ሃገራት ዓረብን ሓይላ ከተርኢ እትደሊ ዘላ ግብጺ፣ ወትሃደራዊ መናውራ ኮይኑዋ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

============================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0