ግብጺ፣ ብኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር  ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ 24 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ክትሽምት’ያ

ግብጺ፣ ብኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ 24 ነፈርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ክትሽምት’ያ

Radio Erena: 16 February 2015

rafa

ግብጺ፣ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዘን ናይ ምጥቃዕን ምክልኻልን ዓቕሚ ዘለውን 24 ዘመናውያን ነፍርቲ ውግእ ካብ ፈረንሳ ንምዕዳግ ሎሚ ስምምዕ ክትክትም’ያ።

እተን ራፋል ዝተባህላ፣ ቦምባታትን ሚሳይላትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዓጢቐን ነዊሕ ክጎዓዛ ዝኽእላ ነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ኣብ ዝውድኣሉ መሬት ከይዓለባ ካብ ካልኦት ነፈርቲ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዓቕሚ’ውን ኣለወን።

 

ግብጺ ነዘን 24 ዘመናውያን ነፍርቲ ውግእን ካልእ መሳለጥያታትን ንምዕዳግ ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ውዕል ምእታዋ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ኦላንድ ምስታ ሃገር ዝግበር ወትሃደራዊ ስምምዓት ካብዚ ዘለዎ ክዓቢ ተስፋ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ግብጺ ኣቐዲማ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝወድኣ ኣርባዕተ መራኽብ ኵናት ካብ ፈረንሳ ከምዝዓደገት ዝፍለጥ’ዩ።

ግብጺ ኣብዚ እዋን’ዚ ወትሃደራዊ ሓይላ ኣብ ምድልዳል ተጸሚዳትሉ ዘላ ምኽንያት ብዙሕ ትንታነታት ይወሃቦ እኳ እንተላ፣ ብፍላይ ነዊሕ ርሕቀት ናይ ምጉዓዝ ዓቕሚ ዘለወን ነፈርቲ ውግእ ብብዝሒ ምሽማታ፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር’ዩ ክብሉ ሓደ ሓደ ወገናት ትንታነታት ክህብሉ’ውን ይስምዑ ኣለዉ።

ግብጺ ብጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብዝምልከት ኣብ ምስሕሓብ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዲጋ ንረብሓ ግብጺ ዝጎድእ እንተኮይኑ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዲጋ ደብዳብ ነፈርቲ ከተካይድ ከምእጥኽእል ኣቐዲሞም ወትሃደራውን ምንጭታት እታ ሃገር ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ተደጋጋሚ እዋን ርክባት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፣ ወሓዚ ናይል መሰረት ምዕባለ ግብጺ ጥራይ ዘይኮነ፣ ትንፋስ እታ ሃገር’ዩ ክብል ከምዝገለጾ ኣይርሳዕን።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ እቲ ገዛእ መሬታ ሰናጢቑ ዝሓልፍ ብኣባይ እትጽውዖ ወሓዚ ናይል፣ ክትጥቀመሉ መሰላ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣቐዲሞም ምስ ዝነበሩ መራሕቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ንኢትዮጵያ ከምቲ ዝድለ ዘርብሕ ስለዘይኮነ ሓድሽ ስምምዓት ክኽተም’ያ ትጠልብ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ክውድእ ትጽቢት ዝንበረሉ ዲጋ፣ ነቲ ናብ ግብጺ ዝፈስስ ወሓዚ ናይል ብዓቐን ከጉድሎ’ዩ ዝብል ስኽፍታታት ግብጺ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ብወገና እቲ ዲጋ ንምዕባለኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ንረብሃ ግብጺ’ውን ብኣሉታ ከምዘይጸሉ’ያ ትጣበቕ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0