ግብጺ፣ 330 እሱራት ብምሕረትፕረዚደንት ተፈቲሖም

ግብጺ፣ 330 እሱራት ብምሕረትፕረዚደንት ተፈቲሖም

Radio Erena: 17 May 2018

sisiፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍን ወዲብኩምን ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ተኣስሮም ንዝጸንሑ 330 ዜጋታት እታ ሃገር ብምሕረት ክፍትሑ ከምዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

ንሱ፣ ብምኽንያት’ቲ ትማሊ ሮቡዕ 16 ግንቦት ኣብ ካይሮ ዝተኸፍተ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቶም በብእዋኑ ዝተኣስሩ መብዛሕቶም መንእሰያት ክፍትሑ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ህዝባዊ ምትእኽኻባትን እኳ እንተኸልከለ፣ ብመንገዲ ፌይስቡንክ ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኣንጻሩ ተደጋጋሚ ሰለማዊ ሰልፍታት ከምዘካየዱ ይዝከር።

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ኣሽሓት ተሳተፍትን ወደብትን ሰለማዊ ሰልፍታት ብኣልማማ ክኣስሩ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ነቶም 330 ካብኣቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ክፍትሑ ወሲኑ ኣሎ።

ግብጺ፣ ብምግሃስ መሰል ዜጋታትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ምስ ቀዳሞት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ዓለም’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0