“ግብጺ፣ ጸጥታ ሱዳን ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ።” ፕረዚደንት ኣልበሽር

Radio Erena: 06 February 2017

Sudan Al

ስለያ ግብጺ፣ ጸጥታ ሱዳን ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ኣልበሽር ወቒሱ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ ናይ ስዑዲ መደበር ቴሌቪዥን ኣልዓረብያ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ እቲ ንግብጺን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ስሉስ ኩርናዕ ሓላየብ፣ ሉኣላዊ ክፋል ሱዳን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ግብጺ እተቕርቦ ዘላ ናይ ‘ይግብኣውኒ’ዩ’ ሕቶ ታሪኻውን ሕጋውን ድሕረ ባይታ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፣ ሱዳን ብመንግስቲ ግብጺ ንዝተወገዘ ሰልፊ ‘እስላማዊ ሕውነት’ ትሕብሕብ ኣላ ክብል ካብ ካይሮ ንዝቐረብ ዘሎ ክስታት ሓሶት’ዩ ክብል ነጺጉ።

ብኣንጻሩ፣ ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ንተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ድጋፍ ይህቡ ከምዘለዉ ዘመልከተ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብዛዕባ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዋንነት ሓላይብ ብዝምከት ብቀጥታ ንምዝርራብ ፍቓደኛ እንተዘይኮይኑ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብብብብቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ኣብ ዘተን ስምምዓትን ይኣምን’ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ እቲ ኣውራ ጸገም ኣባላት ጸጥታን ስለይኡን ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳን ይሰርሑ ምህላዎም’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ቲ፣ ናይ ሓላይብ ዋንነትን ካልእ ፖለቲካዊ ጉዳያትን፣ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ ምስሕሓብ፣ ሓድሽ ክስተት ምህናጽ ዲጋ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይልን ሃገራት ዝሓዝኦ መርገጽን ተደማሚሩ፣ ንኩነታት ሱዳንን ግብጽን ብኣሉታ ጸልዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ግብጺ፣ ብጉዳይ ናይል ብዝተሓሓዝ ምስ ሓያሎ ሃገራት እቲ ዞባ ጥቡቕ ርክባት ንምምስራት ትሰርሕ ምህላዋ፣ ኣብቲ ዞባ ትወሳኺ ወጥሪ ከይሰፍን ፖለቲከኛታት ስግኣቶም ይገልጹ።

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣቐዲሞም፣ ነፈርቲ ውግእ ግብጺ፣ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ብምድጋፍ ደብዳብ ከምዘካየዳ ክገልጹ ቀንዮም’ዮም።

እንተኾነ ግብጺ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ።

ፍሉይ ልኡኽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ናብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ክህልወን ይኽእል’ዪ ምስ ዝበለተን ሃገራት ኤርትራ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ጽዑቕ ርክባት ምክያዳ ይዝከር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0