ግብጺ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል UNHCR ዝተመዝገቡ ልዕሊ 17 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣለዉ

Radio Erena: 26 November 2019

ኣብ ግብጺ፣ ክሳብ ጥቅምቲ 2019፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ 17, 786 ኤርትራውያን ከምዘለዉ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እቶም 8605 ዑቕባ ዝተዋህቦ ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ልዕሊ 9 ሽሕ ድማ ሓተቲ ዑቕባ’ዮም።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ግብጺ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ስድራቤታት ነበርቲ ስዑዲ ናብ ግብጺ ይሰግሩ ብምህላዎም ምዃኑ ይግለጽ።

እንተኾነ፣ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ትካል ስደተኛታት፣ ብብልሽውናን ዝውቀስን፣ ኣብ ምስላጥ ምጥያስ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝሕቱልን ምዃኑ’ዩ ዝውቀስ።

ኣብ ግብጺ፣ ብድምር ልዕሊ 250 ሽሕ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክህልዉ እንከለዉ፣ ብብዝሒ ቀዳማይ ደረጃ ዜጋታት ሶርያ፣ ካልኣይ ዜጋታት ሱዳን ሳልሳይ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፣ ራብዓይ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሓሙሻይ ድማ ዜጋታት ኢትዮጵያ ተሰሪዖም ይርከቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    NE POLETICAWE HALKI KEMU  ERITREAN ELOM  EKUBA KEREKBU ZETEMEZGEBU  ETHIOPIAN KULOM ERITREAN ELKA AYTETSEWE. HEGAWE WEEKET MENBEREN SERAHEN REKEBOM ZENEBRU SEDETEGNATAT AYKONUN.