ግብጺ፣ ኣብ ባህላዊ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ 45 ሱዳናውያን ኣብ ከባቢ ዶብ ቀይዳ

Radio Erena: 15 December 2016

Gol Su

ግብጺ፣ ኣብ ባህላዊ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ 45 ሱዳናውያን ካብ ዶብ ሱዳን ከምዝቐየደት መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቐየዱ 45 ዜጋታት ሱዳን፣ ምስ ግብጺ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣል ዓለጂ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ባህላዊ ዕደና ዝተዋፈሩ ምንባሮም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ዶብ ብምስጋር ነቶም ሱዳናውያን ድሕሪ ምቕያዶም፣ ንብረቶም ዘሚቶም ከምዝለቐቕዎም እኳ እንተተገልጸ፣ መንግስቲ ሱዳን ግና ንግብጺ ብምግሃስ ልኣላውነትን ምክልባት ዜጋታት ሱዳንን ወግዓዊ ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሱዳን፣ ነቲ ክሲ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ከምዝልኣኸቶ ዝሓበረ ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር፣ ካብ መንግስቲ ግብጺ ሕጋዊ መልሲ ይጽበዩ ምህላዎም ይጠቅስ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ግብጺ 37 ሱዳናውያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብምቕያድ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝለቐቐቶም ይዝከር።

ሸሞንተ ሚልዮን ዝግመት ንብረት እቶም ባህላውያን ዓደንቲ ግና ብመንግስቲ ግብጺ ከምዝተሃገረ’ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝኸስስ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0