ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ዳግመ – ግመት ክግበረሉ ከምእትደሊ ትገልጽ

Radio Erena: 22 March 2017

Egy Er

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ዳግመ – ግመት ክግበረሉ ከምዝግባእ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳመሕ ሾክሪ ምግላጹ፣ መርበባት ሓበሬታ ካብ ግብጺ ሓቢረን።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ግብጺ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ናይል ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ፣ ምስተን ናይል ዘዋስንን ኣብ ማይ ክዖ ናይል ዝርከባን ሃገራት እተካይዶ ዘላ ዘተ ምዃኑ፣ ንመግለጺ እቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ካብ ካይሮ ሓቢራ።

ኣቐዲሙ’ውን ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፣ ኤርትራን ግብጽን ንዘለወን ታሪኻዊ ምትእስሳር ብምዝካር፣ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ፣ የመን፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳን ከምዝዘተዩ ኣመልኪታ።

ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዘርብሕ ጉዳያት’ውን ብሓባር ክሰርሑ ድሌት ከምዘለዎም ኣረጋጊጾም።

ብጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ምስታ ሃገር ኣብ ዘይምቅዳው እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ኩለን እተን ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳርን ጽልዋን ኣለወን እትብለን ሃገራት ጽዑቕ ርክባት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0