ግብጺ፣ መሪሕነት ናይቲ አብ ሓለዋ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋፈረ ውሁድ ሓይሊ ዕማም ካብ ኣመሪካ ተረኪባ

Radio Erena: 15 December 2022

ግብጺ፣ መሪሕነት ናይቲ 153 ሃገራት ንዝሓቖፈ ውሁድ ሓይሊ ዕማም ካብ ኣመሪካ ክትርከቦ’ያ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብ ኤል መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ንዘጋጥም መጥቃዕታት መራኽብ፡ ሽበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣጽዋርን ንምግታእ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝቖመ’ዩ።

ነቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምትግባር፣ ጠቕላሊ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ሚካኤል ኩሪላ፣ ብ12 መስከረም ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኣዛዚ‘ቲ ሓይሊ ዕማም ዝነበረ ኣመሪካዊ፡ ካፕቴን ሮበርት ፍራንሲስ፡ መዝነቱ ናብ ግብጻዊ፡ ሪር ኣድሚራል ማሕሙድ ዓብደልሳጣር ኣብ ዘሰጋገረሉ፡ ግብጺ ድልዱል ሓይሊ ባሕሪ እትውንን መሻርኽቲ ኣመሪካ’ ያ ክብል ገሊጹ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ፡ ሪር ኣድሚራል ማሕመዱ ብወገኑ፡ ነቲ ውሁድ ሓይሊ ዕማም ክመርሕ ምምዛዙ ዝተሰምዖ ክብሪ ብምግላጽ፡ ምስ ሃገራት ‘ቲ ዞባን መሻርኽትን ብምዃን ጸጥታን ርግኣትን ክሊ ማይ‘ቲ ዞባ ንምውሓስ ከተኩር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እቲ ምስ ኩነታት የመንን ሶማልን ተተሓሒዙ ዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም፣ ብዘይካ ንኤርትራ ንኩለን’ተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝሓቖፈ’ዩ።

ውሁድ ሓይሊ ዕማም፡ መአዘዚ ማእከሉ፡ ሓሙሻይ ጭፍራ መራኽብ አመሪካ ካብ ዝዋፈራሉ፡ ኣብ ባሕሬይን ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ’ዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ካብ ዝካየድ ምሕዝነታዊ ይኹን ካልእ ተልእኾ ዘለዎ ዞባውን ኣህጉራውን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0