ግብጺ፣ ልዕሊ 600 እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

ግብጺ፣ ልዕሊ 600 እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

Radio Erena: 24 July 2018

egypt free prisonersኣብ ግብጺ፣ 683 እሱራት ብምሕረት ከምዝተፈትሑ ማዕከን ዜና Egypt Today ሓቢሩ።

እቶም ዝተፈላለየ ገበናት ፈጺሞም ተኣስሮም ዝጸንሑ እሱራት፣ ብምኽንያት ትማሊ 23 ሓምለ ተዘኪሩ ዝወዓለ መበል 66 ዓመት ሰውራ ግብጺ’ዮም፣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ተፈቲሖም።

ግብጺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብምኽንያት ዒድ ኣል ፈጥር 960 እሱራት ብምሕረት ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2017 ኣትሒዙ ልዕሊ 3 ሽሕ እሱራት በብእዋኑ ብምሕረት ከምዝፈትሐ ይግለጽ።

ይኹን’ምበር ብፖለቲካን ግብረ ሽበራን ዝተኸሰሱ ኣሽሓት ግብጻውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ከምዘለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0