ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ንዘቕረበትሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ

    ንናጽነት ፕረስን ድሕነት ጋዜጠኛታትን ዝጣበቕ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ንዘቕረበትሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ።

    ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ናብ ቤት ጽሕፈት ዩኔስኮ ክፍሊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ምዕባለ ሜድያን ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፣ ሸውዓተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ሞይቶም ዝብል ብጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ንዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ሰለስተ ካብኣቶም ሓሶት’ዩ ክትብል ምላሽ ሂባትሉ’ያ።

    ዳይረክተር ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ክሪስቶፍ ደልዋኽ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ኣምባሳደር ሃና ብዝበለቶ እቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ብህይወት እንተለዉ፣ ንቤተሰቦም ከተፍልጥን መርትዖ ከተቕርብን ጸዊዑ።

    ንሱ ብተወሳኺ ናይቶም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ሞት ሓሶት’ዩ ካብ በለት፣ እቶም ካልኦት ኣርባዕተ’ኸ ብህይወት የለዉን ማለት ድዩ፣ ብምባል ንተወሳኺ ሕቶታት መልሲ ክትህበሉ ጸዊዑ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የካይድ ከምዘሎ ምስ ተገልጸ፣ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን፣ ምጽራይ ከተካይድ ናብ ኤርትራ ክትኣቱ ጻውዒት ከምዘቕረበ ድሕሪ ምግላጽ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈላለየ ምስምስ እንዳምጸአ መእተዊ ፍቓድ ከምዝኸልከላ ኣዘኻኺሩ።

    ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ናጻ ኮይኑ፣ ኣብ ናጽነት ሜድያ ኣተኲሩ ዝጣበቕን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ካብ መስከረም 2001 ምእሳር ጋዜጠኛታትን ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ኣትሒዙ፣ ተሪር ነቐፌታ ከቕርብ ከምዝጸንሐ ዳይረክተር ክሪስቶፍ ደልዋኽ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0