ጊኒ-ኮናክሪ፣ ፕረዚደንት ቅዋም ከይቅይር ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 17 October 2019

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ጊኒ-ኮናክሪ፣ ፕረዚንት እታ ሃገር፣ ንሳልሳይ ኣዋኑ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዘኽእሎ ቅዋም ምቕይያር ክገብረሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሎ ዘሎ እዋን፣ ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ካብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞ፣ ህዝቢ ንትካላት መንግስቲ ብምዕጋት፣ ፕረዚደንት ቅዋም ከይቅይር ይጠልብ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ኮናክሪ፣ ፖሊስ ተቓውሞ ዘካይድ ህዝቢ ንምብታን ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ 9 ሰባት ተቐቲሎም፣ ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ጊኒ፣ ኣልፋ ኮንደ፣ ዘመነ ስልጣኑ ከብቅዕ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተረፎ እዋን’ዩ፣ ንሳልሳይ እዋን ከምርጾ ዝኽእል ምቅይያር ቅዋም ክገብር ዝፍትን ዘሎ።

ፖለቲካውያን ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ናብ ምሉእ ውልቀ ምልኪ ዝወስድ’ዩ ብምባል፣ ህዝቢ ተቓውሞታት ከሐይል ጸዊዖም ኣለዉ።

12 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጊኒ ኮናክሪ፣ ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ ኣብ 1958 ኣትሒዛ ብምልኪን ወትሃደራዊ ዕልዋታትን ክምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2010 ብኣልፋ ኮንደ ዝምራሕ ሓድሽ ርጉእ መንግስቲ ከምዘቖመት መዛግብቲ ታሪኽ የመልክት።

እንተኾነ፣ ካብ 2010 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኣልፋ ኮንደ’ውን ስልጣኑ ንምንዋሕ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምቅይያር እንተጌሩ፣ 24 ብሄራት ዘለዋ ጊኒ ሓድሽ ግጭትን ዘይርጉእ ጸጥታን ከንጸላልዋ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የጠንቅቑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0