ገዳም ደብረ ቢዘን መሳርሒ ህግደፍ ንዝኾኑ ኣቡናት ወጊዞም

ገዳም ደብረ ቢዘን መሳርሒ ህግደፍ ንዝኾኑ ኣቡናት ወጊዞም

Radio Erena: 25 September 2017

Patriarch

ገዳም ደብረ ቢዘን፣ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ንዘለዉ ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣማሓዳሪ መንበረ ጵጵስና ኣቡነ ባሲልዮስን ወጊዞም።

ገዳም  ደብረ ቢዘን፣ ኣብ ጽባሕ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፣ኣብ 12 መስከረም 2017 ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ውግዘት ደብዳቤ፣ እቶም ኣቡናት ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ብዙሕ በደላት ይፍጽሙ ምህላዎም ኣቃሊዖም።

ገዳም  ደብረ ቢዘን፣ ነቶም ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ባሲልዮንስ ተደጋጋሚ እዋን ማዕዳን ምኽርን ከምዝለገስሎም ብምጥቃስ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ናይ ውግዘት መልእኽቲ ከመሓላልፉ ከምዝወሰኑ ኣረዲኦም።

ውግዘት ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣቡናት ዝመጽእ ዘሎ፣ ዕርቂ ተፈጺሙ ብምባል ንጉዳይ’ቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ አዛ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክዓብጦ ዝፈተነ ህግደፍ፣ ብምኽንያት ቅዱስ ዮሃንስ፣ ቃለ ቡራኬ ከይህቡ ከምዝኸልከለ ኣብ ዝተቓልዓሉ ዕለት’ዩ።

ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብህይወት እንከለዉ፣ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቃለ ቡራኬ ዝሃቡ ሓደ ካብ እሙናት መሳርሒ ህግደፍ ዝኾኑ ኣቡነ ሉቃስ ኮይኖም፣ መንበረ ጵጵስና ኣህጉራዊ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ነቲ ኣቡነ ሉቃስ ዝሃብዎ ቃል ብስም ቡራኬ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ መርገም’ዩ ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ http://tewahdo.org ገሊጽዎ ኣሎ።

ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣማሓዳሪ መንበረ ጵጵስና ኣቡነ ባሲልዮስን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣቡናትን ካህናትን መሳርሒ ህግደፍ ብምዃን፣ ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምትሕብባር፣ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ከቢድ ማህሰይቲ የውርዱ ምህላዎም ብተደጋጋሚ እዋን ክውገዙ ጸኒሖም’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0