ጅቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታዊ ውሕስነት ዜጋታተን ዘትየን

ጅቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ጸጥታዊ ውሕስነት ዜጋታተን ዘትየን

Radio Erena: 15 August 2018

Djibouti Ethiopia

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ብ14 ነሓሰ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ጉዳያትን፣ ኣብ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዜጋታተን ክልተን ሃገራትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ተመያይጡ።

ኣብ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ግጭት፣ ኣብ ልዕሊ ጅቡታውያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ዝነብሩ ኣስታት 3 ሽሕ ዜጋታቱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣውጽኢ።

ኣብ ጅቡቲ ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ዝሓበራ ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ የመልክታ።

ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝህልዎ ባይታን ብምትኳር’ውን ከምዝተዘራረበ ምንጭታት ዜና ካብ ጅቡቲ ሓቢረን።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0