ጅቡትን ቱርኪን ኣብ መንጎአን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ንምዕባዩ ይሰማምዓ

ጅቡትን ቱርኪን ኣብ መንጎአን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ንምዕባዩ ይሰማምዓ

Radio Erena: 01 January 2018

Djibouti Turkey

ኣብ መንጎ ጅቡትን ቱርክን ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ንምዕባይ ክልቴ ሃገራት ስምምዕ ከቲመን።

እዘን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ብ20 ታሕሳስ ናብ ቱርኪ ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ።

ጸብጻብ ክፍሊ ወፍሪን ንግድን ቱርኪ ከምዝሕብሮ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ኣዋርሕ ቱርኪ ናብ ጅቡቲ ናይ ዝልኣኸቶ ሰደድ 83.6 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ ቱርኪ ካብ ጅቡቲ ዘምጽኣቶ ነገራት ከኣ 317, 150 ዶላር ይበጽሕ።

ቱርኪ ዓመታዊ ናብ ጅቡቲ እትልእኾ ሰድድ ናብ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ክብ ከተብሎ መደብ ከምዘለዋ ሰበ ስልጣን ኣንካራ ገሊጾም።

ቱርኪ ብዘይካ’ዚ ኣብ ንግድን ቁጠባን ኣብ ወትሃደራዊን ካልእ ጽላታትን ንምትሕብባር ኣፍደጌታታ ንጅቡቲ ርሕUው ከምዘሎ ኣብቲ ፕረዚደንት ዑመር ጉለ ናብታ ሃገር ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ፕርዚደንት ቱርኪ ናብ ጅቡቲ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዜንት ጅቡቲ ኣብ ቱርኪ ምርኻቡ ናብ ከተማ ካርቱም ብምምርሕ ምስ ፕረዚደንት በሽር ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተመያየጠ ይፍለጥ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ቱርኪ ብቀጠር ዝተመወለ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን፣ ኣብ ሱዋኪን ንምቛም ስምምዕ ከቲማ ንዝብል ዜና ነጺግዎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ነቲ ዜና ዝነጽጎ ዘሎ፣ ግብጺ በቲ ኣብ መንጎ ሱዳን፣ ቱርኪን ቀጠርን ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ሻቕሎት ከምዘለዋ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0