ጅቡቲ 140 ወትሃደራት ናብ ማ.ሪ. ኣፍሪቃ ክትልእኽ’ያ

ጅቡቲ 140 ወትሃደራት ናብ ማ.ሪ. ኣፍሪቃ ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: April 22, 2014

Djibouti Army

ጅቡቲ 140 ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ናብ ማእከላይ ሪቢብሊክ ኣፍሪቃ ከተዋፍር ምዃና ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝንኣሰ ብዝሒ ሰራዊት ዘለዋ ጅቢቲ፣ ጎኒ ጎኒእቲ ናብ ሶማል ዘዋፈረትን ብሕጂ ድማ ከተዋፍሮ ወጢና ዘላን ልዕሊ 2 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት፣ ናብታ ናብ ሃይማኖታዊ ግጭት ከይተመርሕ ተሰጊኣ ዘላ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ’ውን 140 ፍሉያት ሓይልታት ከተዋፍር ምውሳና ካብ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢዱ።

 

እቲ ጅቡቲ እተዋፍሮ ሰራዊት፣ ኣብ ሓለዋ ፍሉይ ቦታታትን ኣብ ስልጠና ፍሉያት ሰራዊት መንግስትን ክነጥፍ’ዩ።

ጅቡቲ ንእስ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ደኣ ትኹን’ምበር እብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም ንምስፋን እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ፣ ዞባውን ኣህጉራዊን ደገፍ ንኽትረክብ ከምዝሓገዛ ይግለጽ።

እታ ጎረቤት ኤርትራ ዝኾነት ንእሽቶ ሃገር፣ ሰራዊታ ናብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ተዋፍር ዘላ፣ ምስታ ድሮ ሰራዊታ ኣብታ ሃገር ኣዋፊራ ዘላ ፈረንሳ ንዘለዋ ደገፍ ንምርግጋጽ ደኣ’ምበር እቲ እተዋፍሮ ብዝሒ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ እምነት ስለዘለዋ ከምዘይኮነ’ውን ሓያሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዛጠቐት ዓርሞሽሽእዊ ወትሃደራዊ ሃይሊ እትውነን ፈረንሳን ምስታ ኣብ ዕእለም ዝንኣሰ ወትሃደራዊ ሓይሊ ካብ ዘለወን ሃገራት እናተባህለት እትግለጽ ጅቡቲ፣ ካብ 1979 ኣትሒዙ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምምዕ ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት’ውን፣ ፈረንሳ ኣብቲ ኵናት ንዝቖሰሉ ኣባላት ሰራዊት ጅቡቲ ብሄሊኮፕተራት ብምልዓል ኣብ ወትሃደራዊ ሆስፒታላ ክሕከሙ ከምዝገበረተን ክሊ ኣየር ጅቡቲ ብዝተራቐቐ ብራዳር ኣብ ምክትታል ከምዝተሓባበረትን ናይቲ እዋን እቲ ወትሃደራውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0