ጅቡቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ተወሳኺ ስምምዕ ክትክትም’ያ

ጅቡቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ተወሳኺ ስምምዕ ክትክትም’ያ

Radio Erena: 19 Januray 2016

Dj Sau

ጅቡትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጸጥታ ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ስምምዕ ክኽትማ ምዃነን ተገሊጹ።

እዘን ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝኽትምኦ ሓድሽ ናይ ጸጥታ ስምምዕ፣ ኣብ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ስትራቴጅያውያን መዳያት ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዲያዲን ሰይድ ባማክራማ ገሊጹ።

ማዕከን ዜና ዓረብ ኒውስ ንኣምባሳደር ጅቡቲ ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ ስዑዲ ዓረብን ጅቡቲን ብዘይካ እቲ ኣቐዲመን ዝኸተምኦ ሓያሎ ስምምዓት፣ ኣብ ቁጠባን ልምዓትን ዘተኮረ ተወሳኺ ስምምዓት’ውን ንምኽታም ምድላዋት ይካየድ ኣሎ።

 

ጅቡቲ ብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዋ ስታርቴጅያዊ ኣቀማምጣ፣ ንስዑዲ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ወትሃደራውያን ነቑጣታት ምዃና’ያ ትግለጽ።

እታ ሃገር ኣባል’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ብምዃናን ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ኢራን ዝነብራ ዝምድና ብምብታኻን ከኣ ካብታ ሃገር ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረላ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0