ጅቡቲ መዓልታዊ 100 ሚልዮን ሊትሮ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ብናጻ ንምርካብ ዘኽእላ ፕሮጀክት ተጀሚሩ

ጅቡቲ መዓልታዊ 100 ሚልዮን ሊትሮ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ብናጻ ንምርካብ ዘኽእላ ፕሮጀክት ተጀሚሩ

Radio Erena : 25 March 2015

ethiodj water

ጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ማይ ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ፕሮጀክት ተጀሚሩ።

እዚ ሓዳጋላ ካብ ዝተባህለ ቦታ ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ከተማታት ጅቡቲ ዝዝርጋሕ ኣገልግሎት ማይ ናይ ምብጻሕ ፕሮጀክት ካብ ቻይና ብዝተረኽበ 22 ሚልዮን ዶላር ምወላ ይሰላሰል ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እዚ ፕሮጀክት ድሕሪ ክልተ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይንበረሉ።

 

ምዝዛም እዚ ንዶብ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ሰንጢቕቁ ዝሓለፍ ፕሮጀክት ነታ ከቢድ ናይ ማይ ዋሕዲ ዘለዋ ጅቡቲ ትንፋስ ክዘርኣላ ምዃኑ’ውን ኣብ ስነ ስሮኣት ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ዝተረኽበ ፕረዚደንት እስማዕጲል ዑመር ጉለ ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ጅቡቲ መዓልታዊ 100 ሽሕ ኩቢክ ሜተር ወይ ድማ 100 ሚልዮን ሊትሮ ብናጻ ካብ ኢትዮጵያ ክትረክብ’ያ።

እዚ ድማ ን20 ዓመታታት ብኸምኡ ክቕጽል ምዃኑ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ቻይና – ሺንሁዋ የመልክት።

ኢትዮጵያን ጅቡትን ብዘይካ’ዚ ናይ ማይ ፕሮጀክት፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ መንገዲ ባቡርን ጽርግያን ዝኣመሰለ ዶባት ዘቋርጽ ፕሮጀክታት’ውን ኣብ ምትግባር’የን ዝርከባ።

ኢትዮጵያ ብዘይካ ምስ ጅቡቲ ምስ ካልኦት ጎረባብታ ምስ ሱዳንን ኬንያን’ውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክታት ኣብ ምንዳፍን ኣብ ምትግባርን’ያ ትርከብ።

ዶባት እናቖራረጸ ዝካየድ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታት ሓደ ካብ ውሕስነት ጸጥታን ሰላም ሃገራት ምዃኑ’ዩ ዝእመነሉ።

================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0