ጅቡቲ፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ልምምድ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ ይቕጽል

ጅቡቲ፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ልምምድ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ ይቕጽል

Radio Erena: 10 April 2018

us djibouti

ኣብ ጅቡቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ክልተ ተኸታተልቲ ሓደጋ ነፈርቲ ኵናት ኣመሪካ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ልምምድ ካብ ሰኑይ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ ከምዝቐጸለ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ንCNN ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ልምምድ፣ መንግስቲ ጁቡቲ ብዘቕረቦ ጻውዒት ደው ኢሉ ከምዝጸንሐ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዳግም ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ጅቡቲ ዓስኪሩ ዝርከብ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ Alligator Dagger ዝተሰምየ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ልምምድ ዝነበራ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ድሕሪ ምውዳቐን፣ ኩሉ በረራታት ደው ክብል ስለዝተወሰነ እቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ንግዜኡ ተሰናኺሉ ምጽንሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ይጠቕሱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0