ጅቡቲን ርዋንዳን፣ ኣብ  ምስፋሕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ይሰማምዓ

ጅቡቲን ርዋንዳን፣ ኣብ ምስፋሕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብሓባር ክሰርሓ ይሰማምዓ

ጅቡቲን ርዋንዳን ናይ ሓባር ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት ንምስፋሕ ኣብ ምርድድእ በጺሐን።

ሰብ መዚ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ክልትኤን ሃገራት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝኸተምዎ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ጅቡቲ ኣብ ርዋንዳ 10 ሄክታር መሬት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምስፋሕ ዘፍቅድ’ዩ።

ርዋንዳ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጅቡቲ 60 ሄክታር መሬት፣ ኣብ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ከተውዕሎ ኣቐዲሙ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ተኸቲሙ ዘሎ ምስፋሕ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት፣ ኣብ ምልኣኽን ምምጻእን ኣብ ወጻኢ ንዝፈርዩ ኣቑሑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕላተን ንዘፍርየኦ ነገራት’ውን ብዘይቀረጽ ንኸቕርብኦ ክሕግዘን’ዩ።

ጅቡቲ ኣቐዲማ’ውን ምስ ግብጺ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ስምምዕ ከምዘካየደት ዝዝርክ’ዩ።

እዛ 23 ሽሕ ትርቢዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር፣ 48 ትርብዒት ኪሎሜተር፣ ንምምስራት ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት ፈቒዳ’ላ።

እዚ ስፍሓት እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባታት ካብ ዝተዓደለ መሬት፣ እቲ ዝሰፍሐ ይገብሮ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0