ጃፓን ኣብ ጅቡቱ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተስፍሖ ምዃና ኣፍሊጣ

ጃፓን ኣብ ጅቡቱ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተስፍሖ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 20 November 2017

Japan

ጃፓን ኣብ ጅቡቲ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ከተስፍሖ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኢስቱኖሪ ኦኖደራ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ብ18 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገሩ ነቲ ኣብ ወሸመጥ ዓደን ንመራኽባ ከጋጥመን ዝኽእል ተጻብኦታት ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብ ረብሓታት ጃፓን ንምክልኻልን፣ ኣብ ጅቡቲ ዝጸንሓ መዓስከር ምስፋሕ ከምዝድለያ ኣረዲኡ።

ጃፓን፣ ኣብ 2014 ካብ ጅቡቲ ብልቃሕ ኣብ ዝወነነቶ 12 ሄክታር መሬት፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ምህናጻ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት እዚ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ፣ ንተወሳኺ ወትሃደራዊ መሳለጥያታት ዘድሊ 3 ሄክታር መሬት ክትውንን ክኢላ ኣላ።

እታ ሃገር ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ከተስፍሕ ዝወሰነትሉ፣ ምስቲ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ኣቑማቶ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውድዳር ከይኮነ ኣይተርፍን ክብሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የመልክቱ።

ፕረዚደንት ቻይና፣ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ወትሃደራት ሃገሩ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ቻይና ኣብታ ልዑል ስትራቴጂያዊ ኣገዳሰነ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ንረብሓታታ ዝከላኸል ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ምኽኣላ፣ ዓቢ ዓወት’ዩ ክብል’ዩ ገሊጽዎ።

ኣመሪካ’ውን ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተስፍሕ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ምግላጻ ይዝከር።

ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፣ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ጃፓን ክህልዋ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ’ውን ተመሳሳሊ መዓስከር ንምቛም መደብ ከምዘለዋ ይንገር።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0