ጃፓን፣ ዋዕላ ምዕባለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኣንግድ

Radio Erena: 28 August 2019

“ቶክዮ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምዕባለ ኣፍሪቃ” (TICAD) ዝተሰምየ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ካብ ሮቡዕ 28 ክሳብ ዓርቢ 30 ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ’ዮም።

ካብ 1993 ኣትሒዙ ዝተኣታተወ ቶክዮ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምዕባለ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ብስሩዕ ዝካየድ ኮይኑ፣ ጃፓን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝህልዋ ወፍሪን ንግድን ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ።

ብፍላይ ምስቲ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ገዚፍ ናይ ወፍሪ ምንቅስቓስ፣ ንጃፓን ኣብ ምውድዳር ጸሚዱዋ ከምዘሎ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወፍርታት ጸዓት፣ ምህናጽን ምጽጋንን ጽርግያታት፣ መንገዲ ባቡር፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ወደባትን ዕደናን ዘተኮረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ልቃሕን ምወላን መደባት ከምዘለወን’የን ይገልጻ።

ጃፓን ኣብ 2016፣ ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትምድብ እንከላ፣ ቻይና ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃ፣ ናይ 60 ቢልዮን ዶላር መደብ ከምዘለዋ’ያ ኣፍሊጣ።

ገላ ካብቲ ቻይና ዝመደበቶ ወፍሪ ድማ ዓመታዊ ኣስሓት ተማሃሮ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕን ሓጺር ማህደረ ትምህርቲን ሞያዊ ስልጠናታትን ምሃብ ይርከቦ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0