ጂቡቲ ንሉኣላውነት ሶማል ዘቆናጽብ ስጉምታት ትወስድ ኣላ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ሶማል ነጺጉ

Radio Erena: 06 May 2021

ጂቡቲን ኬንያን፣ ንሉኣላውነትን ናጽነትን ሶማል ዘቆናጽብ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ ክብል መንግስቲ ሶማል ወቒሱ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ወቐሳ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ድሕሪ ዝተኸስተ ፖለቲካው ወጥሪ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዑስማን ኣቡበከር ዱበ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰላም ን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ጎረባብቲ ሶማል ዝኾና ጂቡቲን ኬንያን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ጣልቓ ይኣትዋ ከምዘለዋ ክሲ ኣቕሪቡ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ መንግስቲ ኬንያ ምስ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ኣሕመድ ማዶበ ብምሽራኽ፣ ንምርጫ ሶማል ይዕንቅፍ ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ምስ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድ ፑንትላንድን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝግለጽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ንዘተ ሰላም እታ ሃገር ዝዓለም ርክብ ፕረዚደንታት ሶማሊላንድን ሶማልን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘአንገደ ይዝከር።

እንተኾነ ድሒሩ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ ንመራሕቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ማዕረ መራሒ ሃገር ናይ ፕሮቶኮል ኣቐባብላ ጌርሉ ብምባል መንግስቲ ሶማል ተቓውምኡ ኣስሚዑ።

ናይ ስልጣን ቁርቁስ ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ሶማል፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ኣብ ስልጣን ንኽቕጽል ወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣንጻሩ ብዝተወልዐ ግጭትታት ግና ውሳኔኡ ብምስራዝ፣ ኣብ ዝሓጸረ ምርጫ ክካየድ’ዩ ጸዊዑ።

ይኹን’ምበር፣ ተተፋነንቲ ሓይልታት ሶማልን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን፣ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ዘተኮረ ዘተ ክሳተፍ ዝዕድም ሃዋሁ ከምዘየለ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይእንፍቱ።

ካብ 2016 ኣትሒዙ፣ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ማእከላይ መንግስቲ ንምቛም ዕድል ዝረኸበት ሶማል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረቶ እዋናት ምብትታን ከይትምለስ ሻቕሎት ብዙሓት’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ናይዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣጋደድቲ ናይ ግዳም ሓይልታት’ዮም ክብል እንከሎ፣ ንጂቡቲን ኬንያን ድማ ብቐዳምነት ይወቕስ።

እንተኾነ መንግስታት ጂቡቲን ኬንያን ንወቐሳ መንግስቲ ሶማል ነጺጎሞ ኣለዉ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ጂቡቲ፣ ኤልያስ ሙሳ ድዋላ፣ መንግስቲ ሶማል ዘቕረቦ ክሲ ዘቖጥዕ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ጂቡቲ ጽቡቕ ናይ ሶማል እትደልን እትጽዕርን ምዃና ጠቒሱ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ሶማል ዘለዋ ኣጀንዳ ካብ ምርግጋእ ሰላምን ጸጥታን ወጻኢ ኔሩ እንተዝኸውን፣ ደቕና ኣብታ ሃገር ንኽሞቱ ኣይምልኣኽናን ክብል’ውን ጂቡቲ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ሰራዊት ናብ ሶማል ከምዝልኣኸት ኣዘኻኺሩ።

መወልትን መሻርኽትን መንግስቲ ሶማል ዝኾና ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ምርጫ ሶማል ብዝቐልጠፈ ክካየድ’የን ጸቕጢ ዝገብራ ዘለዋ።

ንኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲን ሶማልን ዝሓቖፈ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ተሃዋሲ መድረኽ ተመሊሱ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የዘኻኽሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0