ጂቡቲ ሲቪላዊ መጎዓዝያ ነፈርቲ ክትጅምር’ያ

ጂቡቲ ሲቪላዊ መጎዓዝያ ነፈርቲ ክትጅምር’ያ

air djiጂቡቲ ድሕሪ 14 ዓመታት ንፈለማ እዋን ሲቪላዊ መጎዓዝያ ነፈርቲ ክትጅምር’ያ።

መንግስቲ ጂቡቲ ዝዓደጋ ቀዳመይቲ ነፋሪት ቦዪንግ 737 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ፕረዚደንት ኢስማዒል ዑመር ገለ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር ተረኺቦም።

 

ኣብ እዋን’ቲ ናይ ኣቀባብላ ጽምብል፣ በዓል ስልጣን መጎዓዝያ ነፈርቲ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ክልተ ተወሰኽቲ ነኣሽቱ ነፈርትን ሓንቲ ቦዪንግ 767ን ክሳብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ተዓዲገን ኣብ ስራሕ ክውዕላ ምዃነን ኣፍሊጡ።

በዓል መዚ ኣየር ጂቡቲ ኣገልግሎቱ ናይ ኤውሮጳ ደረጃ ንኽሕዝ ተክኒካዊን ምምሕዳራዊን ሓገዝ ዘበርክት ዘሎ ብሪጣንያዊ ትካል ካርዲፍ ኣቭየሽን፣ ንግዳዊ መስመር ነፈርቲ ምጅማር ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ጂቡቲ ኣብ 2019 ምሉእ ዝርሑ ዝጅምር ክልተ ተወሰኽቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ምህናጽ ከም እትርከብ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

ብተወሳኺ እቲ ንጂቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ መስመር ባቡር ኣብ ዝሓጸረ ኣዋርሕ ስርሑ ክጅምር ምዃኑ ተሓቢሩ። 665 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መስመር ባቡር ኣዲስ ኣበባ ጂቡቲ ስርሑ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ዘካዪዶን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ዝገብረሉን ሓድሽ ኮርፖረሽን ክምስረት ምዃኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0