ጂቡቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተወልዐ ግጭት ንምዝርራብ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዳ

Radio Erena: 04 November 2020

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕሙድ ዓሊ የሱፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ዕላማ እቲ ልኡኽ፣ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወሊዑ ንዘሎ ግጭት ንምህዳእን፣ ንክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ንምምላሶምን ዝዓለመ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል፣ ኵናት ድሕሪ ምእዋጁ’ዩ፣ ልኡኽ ጂቡቲ፣ ሎሚ 4 ሕዳር፣ ወጋሕታ ብህጹጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ።

እቲ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ካልኦትን ክዘራረብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ’ያ ትምርኮስ።

ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንዝተጓሃሃረ ወጥሪ ንምህዳእ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊን ዞባውን ውድባትን ሃገራትን እማመታት የቕርቡ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዶብ፣ ሰራዊት ናይ ምንቅስቓስ ተበግሶታት የርኢ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ስርዓተ-ሕጊ ናይ ምንጋስ ስጉምታት ይወስድ ምህላዉ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ’ቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት ግና ብዝርዝር ኣይገለጸን።

ይኹን’ምበር ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን ከምዝቛረጽ ጌሩ ኣሎ።

ኣገልግሎታት ባንክን ኤሌክትሪክ’ውን ደው ምባሉ ተሓቢሩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ካብን ናብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ በረራታት ይኹን ህዝባዊ መጓዓዝያ ደው ከምዘበለ ብምርግጋጽ፣ ብክሊ ኣየሩ ዝካየድ በረራታት ኣጊዱ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፣ ብዛዕባ’ቲ ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ይውሰድ ኣሎ ዝበሎ ስጉምታት ይኹን ዝተዋህቦ ግብረ መልሲ፣ ብዝርዝር ኣየፍለጠን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0